ብዛዕባ ኣርት ላብ ግኔስታ


ኣብ ዓውደ ኣዋርሕና (ብቛንቃታት ሽወደንን እንግሊዝኛን ጥራይ) ምርኢት እነካይደሎም እዋናት፡ እንጅምረሉን እንዓጽወሉን ሰዓታት፡ ከምኡን እንታይ ነካይድ ከምዘለና ዝሕብር ክትርኢ ትኽእል።

መእተዊ፡ ወትሩ ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ።

ኣድራሻ: Art Lab Gnesta, Bryggerihuset, Bryggargränd 4, 646 31 Gnesta

info@artlabgnesta.se

እንረኽበኩም ሰባት

ሲግነ ዮሃንስሰን
ኢ-መይል signe.johannessen@artlabgnesta.se, ተለፎን 070 877 63 85


ኣርት ላብ ግኔስታ፡ ሓደ ኣብ ሞንጎ ጥበብን ሕብረተሰብን ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል፡ ፈተነ መላግቦ ዝኾነ ቦታ እዩ።

ኣብ መንጎ ጥበብን ስነ-ጥበባውያንን ርክብ ንኽህሉ ባይታ ነጣጥሕ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሕብረተሰብ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ምስ ጥበብ ወይ ምስ ሕቶታት ሕብረተሰብ ምስ ዝዓዩ፡ ዞባዊ፡ ሃገራ’ውን ዓለምለኻ’ውን። ኣብቲ ኣብ ግኔስታ ዝርከብ ናይ ቀደም ቤተቡን፡ ኣብቲ ስቱዲዮ፡ መኣከቢ ኣዳራሽን መርኣዪ ኣዳራሽን ዝርከበሉ ቦታ ኣብኡ ኢና ዘለና።

ምርኢታት፡ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ሕትመታት፡ ዝርርብን ገለ ካልእ ንጥፈታትን ኣብ ውሽጢ እዚ ዘለናዮ ቤት ይኹን ኣብ ካልኦት ወግዓውያን ኣባይቲ ከምኡውን ኣብ ናይ መሻርኽትና አደራሻት ንገብር። አብቲ ናትና መደብ፡ ስነ-ጥበበውያን ዓዲምና፡ እዚ ዘመንን ብድሆታቱን ብዝምልከት ነቲ ዝግበር ዝርርባት ነዳዲ ዝውስኽ፡ ሓድሽ ጥበብ ክመራመሩን ክምህዙን ንገብር።

እቲ ናይ ምርኢታት መደብ፡ ብስርሓት እቶም ዕዱማት ስነጥበባውያን ዝምእከል ኮይኑ፡ ካብቶም ቀወምቲ ነበርቲ ህዝቢ ግኔስታ ብምብጋስን ንናይ ደገ’ውን ግቡእ ቈላሕታ ብምግባርን ኢና ማእከል ፍርያት፡ ኣቀራርባን ዘተን ኴንና እነገልግል።